ደቁ ﷺ

ደቁ ﷺ ካብ እኖና ኸዲጃ

ኣል-ቓሲም፣ ዓብዱላህ (ብኣጥ-ጠይብን ብኣጥ-ጣህርን ይጽዋዕ ነይሩ)፣ ዘይነብ፣ ሩቐያ፣ እም ኩልሱም፣ ከምኡ’ውን ፋጢማ። ኩሎም ድማ ካብ ኸዲጃ ረዲየላሁ ዓንሃ እዮም ነይሮም።

  • ኣል-ቓሲም ረዲየላሁ ዓንሁ — ብእኡ ድማ ﷺ ኣቡል-ቓሲም ተባሂሎም ተጸዊዖም
  • ዓብዱላህ ረዲየላሁ ዓንሁ (ኣጥ-ጠይብ ኣጥ-ጣህር)
  • ዘይነብ ረዲየላሁ ዓንሃ
  • ሩቐያ ረዲየላሁ ዓንሃ
  • እም ኩልሱም ረዲየላሁ ዓንሃ
  • ፋጢማ ኣዝ-ዘህራእ ረዲየላሁ ዓንሃ — ኣደ ሓሰንን ሑሰይንን

ደቁ ﷺ ካብ እኖና ማርያ ኣል-ቂብጢያ

ኣብ መዲና ድማ ኢብራሂም ዝተባህለ ወዲ ወሊዶም ﷺ፤ ካብ ማርያ ኣል-ቂብጢያ። ኩሎም ድማ ኣብ ህይወቶም ﷺ ሞይቶም እዮም፣ ብዘይካ ፋጢማ፣ ንሳ ድማ ድሕሪኦም ﷺ ብሽዱሽተ ወርሒ እያ ሞይታ፣ እዚ ድማ ዝበለጸ ሓቂ እዩ።