القسم السابع: الجهاد والشهادة والغنائم

ክፍሊ ሸውዓይ: ጅሃድ፣ ስውእነትን ምርኮን

قال رسول الله ﷺ «ارْجِعْ إِلَى أَبَوَيْكَ فَاسْتَأْذِنْهُمَا، فَإِنْ أَذِنَا لَكَ فَجَاهِدْ، وإِلَّا فَبِرَّهُمَا».

ረሱል ﷺ በሉ፦ «ናብ ወለድኻ ተመለስ እሞ ፍቓዶም ሕተት። ፍቓድ እንተሃቡኻ ጅሃድ ግበር፣ እንተዘይኮይኑ ግን ንኣታቶም ሕሾም/ኣኽብሮም»።

قال رسول الله ﷺ «الْمُجَاهِدُ مَنْ جَاهَدَ نَفْسَهُ فِي الله عَزَّ وَجَلَّ».

ረሱል ﷺ በሉ፦ «ሙጃሂድ ማለት ንነፍሱ ኣብ ኣላህ ﷻ መገዲ ዝተቓለሰ እዩ»።

قال رسول الله ﷺ «سَتُفْتَحُ عَلَيْكُمْ أَرَضُونَ، وَيَكْفِيكُمُ اللهُ فَلَا يَعْجِزُ أَحَدُكُمْ أَنْ يَلْهُوَ بِأَسْهُمِهِ».

ረሱል ﷺ በሉ፦ «ብዙሓት ምድሪታት ክትምርኹ እኹም፣ ኣላህ ድማ ይኣኽለኩም፣ ስለዚ ሓደኹም ብፍላጻታቱ ክለማመድ ኣይክሽገርን እዩ»።

قال رسول الله ﷺ «عَلِّمُوا أَبْنَاءَكُمُ السِّبَاحَةَ والرِّمَايَةَ».

ረሱል ﷺ በሉ፦ «ንደቅኹም ምሕንባስን ምፍላጽን ምሃሩ»።

قال رسول الله ﷺ «لَا يَجْتَمِعُ غُبَارٌ فِي سَبِيلِ اللَّهِ عَزَّ وَجَلَّ وَدُخَانُ جَهَنَّمَ فِي مَنْخِرَيْ مُسْلِمٍ أَبَدًا».

ረሱል ﷺ በሉ፦ «ኣብ መገዲ ኣላህ ﷻ ዝተለዓለ ሓመድን ትኪ ጀሃነምን ኣብ ኣፍንጫ ሙስሊም ፈጺሙ ኣይራኸብን»።

قال رسول الله ﷺ «وَأَعِدُّوا لَهُم مَّا اسْتَطَعْتُم مِّن قُوَّةٍ، قَالَ: أَلَا إِنَّ الْقُوَّةَ الرَّمْيُ، أَلَا إِنَّ الْقُوَّةَ الرَّمْيُ، أَلَا إِنَّ الْقُوَّةَ الرَّمْيُ».

ረሱል ﷺ በሉ፦ «ንኣታቶም ድማ ካብ ዝኸኣልኩምዎ ሓይሊ ኣዳልዉሎም» በለ፦ «እንሆ ሓይሊ ምፍላጽ እዩ፣ እንሆ ሓይሊ ምፍላጽ እዩ፣ እንሆ ሓይሊ ምፍላጽ እዩ»።

«نَهَى النَّبِيُّ ﷺ عَنْ قَتْلِ النِّسَاءِ وَالصَّبْيَانِ».

«ነብይ ﷺ ንኣንስትን ንቖልዑን ምቕታል ከልከሉ»።